ኣብዛ ካልአይትን መወዳእታን ክፋል፣ ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ኣይትለዕል እንታይ ማለት እዩ? ብከንቱ ትርጉሙ እንታይ እዩ? ስም እግዚአብሔር ምጽራፍ ከም ዘይግባእ፣ ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ከነልዕል ከምዘይግባእ፣ ክንምሕል ክንሕስው፣ ከንቃልል ከም ዘይግባእ ኣብዚ ክንዝቲ ኢና። ብትወሳኺ ከመይ ጌርና ኢና ስም እግዚአብሔር ከንኽብር ዘለና? ክንጽሊ፣ ከነመስግን፣ ስሙ ክንቕድስ፣ በቲ ንነብሮ ናብራ ስሙ ክንቕድስ ከም ዝግባእ ክንማሃር ኢና። ሰሚዕኹም በረኸት እንድህሪ ረኺብኩም፣ ናብ ካልኦት መንፈሳዊ ረብሓ ክረብሑሉ ዝኽእሉ፣ ሼር በልዎም። እግዚአብሔር ይባርኽኩም።