ኤርትራዊ ካቶሊካዊ ውህበታዊ ተሓድሶ ሥርዓት ግእዝ ዋሺንግተን ዲሲ ሜትሮ ኤርያ
Religion & Spirituality:Christianity
ገላትያ 5
16 ኣነ ግና ብመንፈስ ንበሩ፥ ትምኒት ሥጋ ኸኣ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፥ እብለኩም ኣሎኹ።
17 ከመይ ትምኒት ሥጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲ እዩ፥ መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ሥጋ መጻርርቲ እዩ። ስለዚ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ ኽልቲኦም መጻርርቲ እዮም። 18 ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና ሕጊ ንምፍጻም ግዱዳት ኣይኮንኩምን። 19 ግብሪ ሥጋ ግሁድ እዩ፤ ንሱ ኸኣ ምንዝርና፥ ርኽሰት፥ ዝርጋን፥20 ኣምልኾ ጣዖት፥ ጥንቈላ፥ ጽልኢ፥ ባእሲ፥ ቅንኢ፥ ቁጥዓ፥ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው፥ ምፍልላይ፥ መናፍቕነት፥ 21 ቅንኣት፥ ስኽራን፥ ጓይላ፥ ኸምዚ ዘኣመሰለ ኻልእውን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፥ እቶም ነዚ ኸምዚ ዘኣመሰለ ዚገብሩ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ እብለኩም ኣሎኹ። 22 ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግሥቲ፥ ልግሲ፥ ሕያውነት፥ እሙን ምዃን፥ 23 ለውሃት፥ ርእስኻ ምግታእ እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘኣመሰለ ዚፃረሮ ሕጊ የልቦን። 24 እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ሰብኣዊ ባህርዮም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። 25 ብመንፈስ ሕይወት ዝረኸብና እንተ ደኣ ዄንና ብመንፈስ ንንበር።
26 ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።
Create your
podcast in
minutes
It is Free